ህይወትን ገጻን ልምጽማጻን
ሰብን ህይወትን ኣብ ምድሪ >
እቲ ንነብስኻ ዝሃንጻ ንስኻ፡ እቲ ነቲ ትደልዮን ዘድልየካን ዝገብረልካ እውን ባዕልኻ ኢኻ። ብዘይ ተግባር ነገራት ኣይትሃንጽን፤ እቲ ናትካ ሓላፍነት ከኣ፡ ሰዶ ኣይትሰዶ፡ ተቐበሎ ኣይትቀበሎ፡ ኩሉ ግዜ ምሳኻን ናትካን እዩ። ነቲ ትደልዮ ክተምጽእ ዝከኣለካ ምእንቲ ክትገብር፡ ትጽቢታት ኣርሕቆም ካባኻ። ዓለም ክትድንግጸልካ ህይወት ከኣ ክትመሳሰለካ ድማ ኣይትጸበ።
ደቂ ሰባት ንህይወት ብሓደ ሕግን ብሓደ መገድን ኣይነብርዋን እዮም። ከምኡ እውን ኣብ ህይወትን ነገራትን ዘለዎም ኣረኣእያን እምነትን በበይኑ እዩ። ሰባት ንህይወትን ንፈጣርን በብናቶም መገዲ እዮም ዝገልጽዎምን ዝርእይዎምን። ስለዚ እምነትን ክውንነትን ፈላልዮ። ነቲ ሰሪሕካ ዝመጽእ ነገር እውን፡ ብትጽቢት ከተምጽኦ ግዜኻ ኣይተጥፍእ። ንክውንነትን እምነትን፡ ከምኡ እውን ንሓላፍነትካን፡ ብሰናይ ዓንተቦኡ ኣለልዮም።
ናይዛ መጽሓፍ ቀንዲ ዕላማ፡ ደቂ ሰባት ኣብ ህይወትን ነገራትን ከምኡ እውን ኣብ እምነት ዘለና ኣረኣእያ እትገልጽ ኮይና፤ ኣብ ኣተሓሳስባ ምስፋሕን፡ ነገራትካን ሓላፍነትካን ምስካምን፡ ከምኡ እውን ምስ ክውንነት ምልላይ ኣብ ዝብሉ ትምህርትታት ዘተኮረት እያ።